ብዓጀባ እምነት ክአቱ አርሕውለይ ማዕፆ ልብኺ
መዋእለይ ምእንታን ከስተርሕው አብ መንበሪ ዙፋን ልብኺ
መከራ ናይ ሕሱም ፍቕርኺ አብ ውሽጢ ምስ አጎደ
አብ መዓሙቕ ሰራውር ደመይ ወትሮ እናነደደ
ንምንታይ ግን ፍቕረይ ‘ዚ ትብሊ ትርግታ ልበይ ናሰማዕክዮ
አይ ፍጥርቲ ጓል ሰብ እንድኺ ፍቕሪ እባ ጀባ በልዮ
ዘይከውን ተኾይኑ አይተዳህልልኒ ምግቢ በይነይ ፅልግልግ ከይበለ ናብ ገደም ምርሕኒ
ንምንታይ ግን ፍቕረይ ′ዚ ትብሊ ትርግታ ልበይ ናሰማዕክዮ
አይ ፍጥርቲ ጓል ሰብ እንድኺ ፍቕሪ እባ ጀባ በልዮ